Saturday, January 2, 2016

ዴሞክራስያዊ መሰላት ዓፊንካ ነፃነት ሚድያ ኣይረጋገፅን!!



ዓለምና ብኣዝዩ ንምግማቱ ዘፀግም ሕንባበ ግሎባላይዘሽን ዝተመስረተ ናይ ኢኮኖሚ ምትእስሳር ብምፍጣር፣ ሃገራት ካብ ናይ ባዕለን ወድዓዊ ኩነታት ተበጊሰን ለውጢ ንምምፃእን፣ ዝተማዓራረየ ናብራ ህዝበን ንምርግጋፅ ውፅኢት ሙዑቡል ተክኖሎጂ ብምጥቃም ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብላሉ፣ ህዝብታት ድማ በቢ ዕለቱ ንዝኽሰቱ ህለው ኩነታት ሃገሮምን ከባቢኦምን ኣፍልጦ ንኸሕድሩ ንዝሓሸ ህይወትን ተስፋን ኣብ ዘማዕድውሉ እዋን ንርከብ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ምዕፋን ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ናይ ዜጋታት ከም መትከል ወሲዶም ፖለቲካዊ ስልጣኖም ንምንዋሕ ኣብቲ ዘለናዮ ምዕቡል ዘመን ክፍፀም እዩ ኢልካ ንምእማኑ ብዘፀግም መሰልና ይከበር ኢሎም ስለ ዝሓተቱን ተቓውሞኦም ብሰለማዊ መንገዲ ስለ ዘካየዱን ሂወት ንፁሃት ዜጋታት ኣብ ማእኸል ጎደናታት እናረገፉ ምዕዛብ ዕለታዊ ፍፃመ ኮይኑ ኣሎ።

በዚ መሰረት ሃገርና ኢትዮጵያ ኣካል እዚ መስርሕ ብምዃና ኣግባቡ ዝጠፈኦም ውልቀ መለኽቲ ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ኣምራት ዴሞክራስያዊ መሰላት ብዝብል ሸፈነ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ይኹኑ ናይ ብሕቱ ዝኾና ሚድያታት ተጠቒሞም ጎስጓሳት ካብ ዝጅምሩ ርብዒ ዘመን ኣቑፂሮም ኣለው።

ኣብ'ዞም ዝተሓለፉ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመታት ድማ ዴሞክራስያዊ መሰልና ይከበር ኢሎም ብናይ'ቲ ስርዓት ፕሮፖጋንዳ ተታሊሎም ሰልፊ ሒዞም ኣብ ጎደናታት ዝወፁ ንፁሃት ወገናትና ሂወቶም ደም ከልቢ ኮይኑ እንትተርፍ፥ ኣብዝሓ ድማ ኣብ ትሕቲ መፃወድያ ናይ'ቲ ስርዓት ኣትዮም ኣብ ዘይወዓልዎ ገበን ምስ ሓይልታት ግብረ ራዕዲ ርክብ ኣለዎ ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ብዘይ ንሕስያ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝለዓለ ናይ ገበነኛ መመርመሪ መሳርሒ ክሳቐዩ ብምግባር ንካልኦት ኣስጋእቲ ንዝበሃሉ ፖለቲከኛታት ይኹኑ ጋዜጠኛታት  ንዓመታት ተፈሪዶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣትዮም ይርከቡ፣
እዝን ካልእን ዝፍፀመላ ሃገር ህዝቢ ስለ ሃገሩ ሓፈሻዊ ኩነታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ካብ ምባል የቡሉን ኢልካ ምግላፅ የድፍር። ምኽንያቱ ኣብ ሃገርና ዝትግበሩ ሓፈሻዊ ዕለታዊ ፍፃመታት ትኽክለኛን ዘይተዛበዐን ሓበሬታ ህዝቢ ዝረክብ ዘይኮነስ ብናይቲ ስርዓት ድልየትን ትእዛዝን ጥራሕ ዘተግብራ ጋዜጣታት ይኹን ሚድያታት ጥራሕ ተሓፂሩ ክኸይድ ገይሮሞ እዮም።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ'ተን ሚድያታት ናይ'ቲ ስርዓት ተቐርቂሮም ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት እዋናዊ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክባፃሕ ኣብ ክንዲ ምግባር፣ ኣብ ባይታ ንዘየለ ዝተዛበዐን ዝተጋነነን ናይ ልምዓት ንጥፈታት ይኹን ኣብ ጎይላ ወዲ ጎይላ ዘድሃበ መደባት ተፀሚዶም ከመሓላልፉ ንዕዘቦም ኣለና።

ክንዲ ዝኾነ ኣብ ሃገርና ንዝፍፀሙ ጭቡጣት ኩነታት ኣብ ህዝቢ ከይበፅሑ ሸምሪሩ ሒዙዎም እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነተን ሓደ ሓደ ብደገ ዝፍነዋ ነፃ ሚድያታት ሓቃዊ ምስልን ንዝፍፅምዎ ዕለታዊ ተግባሮም ተቓሊዖም ኣብ ህዝቢ ንኸይበፅሕ፣ ካብ ህዝቢ እናተመንጨተ ብዝእከብ ገንዘብ ይኹን ካብ ናይ ደገ ሃገራት ብዕዳ ብዘምፅእዎ ብቢልዮናት ዝግመት ገንዘብ፣ ኣብ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ይኹን ኣብ ረብሓ ህዝቢ ከይወዓለ ብዝረአዩን ዘይረአዩን ሜላታት ብዝለዓለ መጠን ገንዘብ እናፍሰሱ፣ ኣብ ናይ ምዕፋን ተግባራት ክዋፈሩ ከም ዝፀንሑን ዘለውን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

እዚ ድማ መርኣያ ውሽጣዊ ተግባሮምን ግዕዝይንኦምን ቁልጭ ኣቢሉ ዝያዳ ዘቃልዕ ከም ዝኾነ ክፈልጡ ይግባእ። ስለዚ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ናይ ዜጋታት እናረገፅካን እናዓፈንካን ነፃነት ሚድያ ክረጋገፅ ፍፁም ኣይካኣልን።